The image shows a senior couple taking a selfie outdoors.
ሕጂ ጀምሩ: ብዛዕባ ግዜ ጡረታኹም ኣቐዲሙ ዝተዳልወ ንጹር መደብ ምሓዝ ብልሒ ኢዩ።
Bilde: Scanstock

ካብ ስራሕ ዓለም ንዝሰናበቱ ሰባት ዝሕግዙ ጠቐምቲ ምኽሪታት

ንሓዱሽ መዓልታዊ ሂወት ድልዋት ዲኹም? ኣብ ግዜ ጡረታኹም ምቹእ ሂወት መታን ክህልወኩም ዝሕግዙ ጠቐምቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ምኽሪታት ኣንብቡ።

ካብ ስራሕ ዓለም ምስተሰናበትኩም ኣብ ሂወትኩም ብዙሕ ነገር ክቀያየር ኢዩ። እዚ ካብ ስራሕ ቅድሚ ብጡረታ ምስንባትኩም ብዛዕባ ግዜ ጡረታኹም መደባት እንተለኩም ተመራጺ ኢዩ። ኣብዚ ሕጂ ዘለዉ ጡረተኛታት ካብቶም ኣብ ቀዳሞት ወለዶ ዝነበሩ ጡረተኛታት ብኣካላውን ሕልናዊን ዓቶም ብሓፈሻ ዝተረሩ ኢዮም። ብዙሓት ጡረተኛታት ናይ ሂወት ተሞኩሮን ፍልጠትን ኣሎዎም። ኣብቲ ማሕብረሰብ ብተገዳስነት ብምስታፍ እቲ ዘለዎም ተሞኩሮን ፍልጠትን ብምክፋሎም ድማ ንባዕሎምን ነቲ ማሕበረሰብን ዘሐጉስ ስራሕቲ ይሰርሑ።  

እቲ ምስ ሰባት ዘለኩም ማሕበራዊ ምቅርራባት ተገዲስኩም ሓዝዎ 

እቲ ዝነበረኩም ስራሕ ምስ መሳርሕትኹም ክትራኸቡ የኽእለኩም ኔሩ። እዚ ምስ መሳርሕትኹም ዝነበረኩም ርክብ ጡረታ ምስወጻእኩም ብኻልኦት ክትክእዎ ኣለኩም። ማሕበራዊ ንጥፈታት ነዊሕ ዕድመን ጥዑም ሂወትን ክህልወኩም ዓብዪ ትርጉም ኣሎዎ። ንጡፍ ዝኾነ ማሕበራዊ ሂወት ዘለዎም ጡረተኛታት መብዛሕቱ ግዜ ዝሓሸን ምቹእ ዝኾነን ሂወት ይነብሩ። ስለዚ ምስ ቤተሰብኩም፣ መሓዙትኩምን መሳርሕትኹም ዝነበሩን ዝነበረ ርክብኩም ከምቲ ዝነበረ ክቕጽል ግበሩ። ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት፣ ምስ ገለ ማሕበራት ወይ ኣብ ወለንታውያን ትካላት ሓላፍነታት ወሲድካ ዕማማት ብምፍጻም እቲ ምስ ሰባት ዘለኩም ምቅርራባት ከተስፍሕዎ ትኽእሉ ኢኹም።  

ክንዲዝኸኣልክሞ ኣብ ስራሕ ዓለም ዝነወሐ ግዜ ጽንሑ

ኣብ ስራሕ ዓለም ንምጽናሕ ድልየትን ዓቕምን እንተለኩም መብዛሕትኡ እዋን ጡረታ ከይወጽእኹም ኣብ ስራሕ ምጽናሕ ዝበለጸ ኢዩ። ካብቲ ምስ ሰባት ዝህልወኩም ርክባትን ጥምሩነት ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ብተወሳኺ ሓላፍነት ወሲድኩም ኣበርክቶ ምግባርኩም ዝፈጥሮ ስሚዒት ክብረት ንምርካብ ዕድል ይህበኩም። ኣብ ናይ ናቭ መርበብ ኢንተርኔት ንጡረታ ከመይ መደባት ከተውጽኡ ከምትኽእሉ ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ዝምልከት ኣቐዲምካ ምጽራይ ረብሓ ኣሎዎ። 

ሕጂ ጡረታ ወጺእኩም እንተለኹም እቲ ኣብ ስራሕ ዓለም ዘጥረኹሞ ክእለነትን ማሕበራዊ ርክባትን ናብ ተሳትፎ ወለንታውነት ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ወለንታዊ ስራሕቲ ምስታፍ ምስ ማሕበረሰብካ ዘራኽብ፣ መሓዙት ንምርካብ፣ ትምህርቲ ንምርካብን ትርጉም ዘለዎ ኣበርክቶ ንምግባርን ጽቡቕ ነገር ኢዩ። 

ዕለታዊ ተግባራትኩም እቲ ንቡር ስርዓቱ ሒዙ ክቕጽል ግበሩ

ብዙሓት ጡረተኛታት ካብ ዝተጸበዩዎ ንላዕሊ ዑደት እቲ ዝነበሮም ዕለታዊ ሂወቶም ይናፍቕዎ። ስለዚ ካብ ድቃስኩም ትትስእኡሉ ግዜ፣ ሰዓታት መግቢን ካልኦት ዕማማት ትፍጽሙሉ ቀዋሚን ዝውቱርን ዝኾነ ግዜ ክህልወኩም ተመራጺ ሓሳብ ኢዩ። ብተወሳኺ ሰሙናዊ መደባት ከም ኣብነት ምስ ካልኦት ብሓባር ትራኸብሉ፣ኣብ ሕብረተሰባዊ ንጥፈታት ምስታፍ፣ ስፖርታዊ ንጥፈታት፣ እግሪ ጉዕዞን ንሓንጎል ዝጠቕሙ መዘናግዒታትን ትገብሩሉ ግዜ ምምዳብ።  ወላኳ ኣብቲ ስራሕ ዓለም ኣይትሃልዉ'ምበር እተን ናይ ስራሕ መዓልታትን ቀዳመሰንበትን ምፍላይ ኣይትረስዑ። ከም ጡረትኛ ሕጉሳት ንምዃን፣ ዝሓሸ ጥዕና ንምርካብ፣ ቀዋምን ስሩዕን ዕለታዊ ንጥፈታት እንተለኩም ዝቐለለ ኢዩ። ንነብስኹም ክንክን ግበሩ። ገሊኦም ሰባት ካብቲ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ስረሖም ዝነብሮም ኣገዳሲ ዝኾነ ግደ ምስንባቶም መንነቶም ዝሰአኑ ኮይኑ ይስመዖም። ባዶነት ወይ ውሽጣዊ ቅልውላው ዝስመዓኩም እንተኾይኑ፣ ምስ ገለ ሰባት ብዛዕባ'ዚ ተዘራረቡ። 

ቅድም ኢሉ ወሲንኩሞ ዝነበረኩም ሓሳብ ናይ ምቕያር መሰል ኣለኩም

 እታ ጡረታ ዝወጻእኩምላ ቀዳመይቲ ዓመት ነተን መደባትኩም ከም ናይ <<እዋን ፈተነ>> ውሰድዋ።  ድሒርኩም ምስ ግዜ ተጥርይዎ ተሞኩሮን ንውልቅኹም ከም ጡረተኛ ቅኑዕን ኣድላይን ትብልዎ መደባት ምቅይያር ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኺም። በታ ቀዳመይቲ ዘዳለኹማ ፕላን ንሓያሎ ዓመታት ትኸድሉ ዕድል ጸቢብ ኢዩ። ኣብ ስራሕቲ ወለንታውነት ንምስታፍ ድልዋት ኩኑ። ውሑድ ሰዓታት ስራሕ ንምስራሕ ወይ ኣብ ካልኦት ሓደሽቲ ዝኾኑ መዘናግዒ ንጥፈታት ንምስታፍ'ውን ድልዋት ኩኑ። ብዙሓት ዝተፈለለያ ትካላት ሰራሕተኛ ይደልያ ኢየን። ብዝበለጸ ንጡረተኛ ዝምልከት መሃያ ተኸፊልኩም ክትሰርሑ ትኽእሉ እንትኾንኩም ምጽራይ ግበሩ።