RSS

Tigrinya

80 % ይኣክል ኢዩ

ጓል 24 ዓመት ዝኾነት ሰልማ ሂላንድ ዘለዋ ርእሰ እምነትን ንሳ ብዛዕባ ንነብሳ ዘለዋ ምስልን ምስ ውጽኢት ትምህርታ ንነዊሕ ግዜ ኣራኺባቶ ጸኒሓ። ሕጂ ግና ሓሳባ ቐይራ። – ዝኾነ ሰብ መዓልታዊ ኣብ ኩሉ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ክረክብ ከምዘይክእል ምስ ኣመንኩ ሕጂ ብጣዕሚ ጽቡቕ ኣለኹ ትብል።

Tigrinya: እታ ክትነብሩዋ ትደልዩዋ ዓይነት ሂወት ብመደባት ምርሕዋ

ነቲ ክትነብሩዎ ትደልዩዎ ዓይነት ሂወት ዝተሃቀነ መደብ ይሃልኹም። ንሱ ነቲ ብጣዕሚ ጠቓሚ ዝኾነ ጉዳይ ዝበለጸ ዕድል ክትህብዎ ስለዝሕግዘኩም። ሂወትኩም ባዕልኹም ምስትመርሕዎ ዕለታዊ ፍጻመታት ኣብ ናትኩም ድሌት ዝተመኮሰ'ምበር ኣብ ኣጋጣሚታት ዝተመርኮሰ ኣይኮውንን።

ካብ ስራሕ ዓለም ንዝሰናበቱ ሰባት ዝሕግዙ ጠቐምቲ ምኽሪታት

ንሓዱሽ መዓልታዊ ሂወት ድልዋት ዲኹም? ኣብ ግዜ ጡረታኹም ምቹእ ሂወት መታን ክህልወኩም ዝሕግዙ ጠቐምቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ምኽሪታት ኣንብቡ።

In Tigrinya: ኣብ ግዜ ሓደጋ ኣብ ሕድሕድ ክፍለ ኸተማ በርገን ዝጣየሻ ነቑጣታት ሓበሬታ

ኩለን ክፍላተ ከተማ ነናይባዕለን ነቑጣ ሓበሬት ክህልወን ኢዩ። ኤሌትሪክ፣ መርበብ ሞባይል ቴሌፎን፣ መርበብ ኢንተርኔት ንነዊሕ ግዜ እንተጠፊእኩም በዘን ነቑጣታት ሓበሬታ ኣቢልኩም ምስተን ህጹጽ ሓገዝ ዝህባ ኣብያተ ጽሕፈት ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኺም።

Tigrinya: ምስ ሰባት ስለዝሰመረትን ኣብ ስራሕቲ ወለንታውነት ስለዝነጠፈትን ጥዕናኣ ደሓን ኮይና

ቱነ ኣሊሰ ኒከይ ብሰንኪ ሕማም ካብ ስራሕ ዓለም ተገዲዳ ምስተሰናበተት ምስ ሰባት ኣብ ናይ ሓባር ጉዳያት ምስታፍ ንጥዕና ክንደየናይ ዝዓበየ ትርጉም ከምዘለዎ ተረዲኣቶ።