The image shows a young woman sitting beside a flower bed.
– ንነብስኹም ክንክን ግበሩ: ሰልማ ሂላንድ ልክዕ ከምቲ ንመሓዙትኩምን ቤተሰብኩምን ዘለኩም ፍቕርን ርድኢትን ንነብስኹም'ውን ክህልወኩም ተስፋ ኣሎዋ።
Bilde: Nina Johnsen

80 % ይኣክል ኢዩ

ጓል 24 ዓመት ዝኾነት ሰልማ ሂላንድ ዘለዋ ርእሰ እምነትን ንሳ ብዛዕባ ንነብሳ ዘለዋ ምስልን ምስ ውጽኢት ትምህርታ ንነዊሕ ግዜ ኣራኺባቶ ጸኒሓ። ሕጂ ግና ሓሳባ ቐይራ። – ዝኾነ ሰብ መዓልታዊ ኣብ ኩሉ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ክረክብ ከምዘይክእል ምስ ኣመንኩ ሕጂ ብጣዕሚ ጽቡቕ ኣለኹ ትብል።

ኣብ ኩሉ ነገር ጎዶሎ ክርከበካ የብሉን ዝብል ርዲኢት ኣብ ክሊ ዕድመ ትሕቲ 30 ዝኾኑ መናእሰይ ብበዝሒ የጋጥም ኣሎ። እቲ ብደሆ፣ ሕልምኻ ዓብዪ ምዃኑ ዘይኮነስ ልዕሊ ዕቅንካ ዝኾነ ቅድመኩነት ኣሚትካ፣ ኣብ ነብስኻ ድማ ዝልዓለ ርእሰ ፌታ ይህልወካ።   

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኩሉ ነገር ይዕወት ስለዝነበርኩ ንነብሰይ ጎዶሎ ዘይብላ ገይረ ይሪኣ ኔረ። ኣብቲ ዝለዓለ ጸፍሒ እንተዘይበጺሐ ክንድቲ ዝግባእ ስለዘይጸዓርኩ ኢዩ ዝብል ስሚዒት ነይሩኒ ትብል ሂላንድ። 

ዝሓሸ ውልቃዊ ሂወት ንምርካብ ክትብል ሂላንድ ካብዘን ስሚዒታት ንምውጻእ ስጉምቲ ወሲዳ።   

ደቂሰባት ዝተፈለለይና ምዃና ክንቅበሎ ኣለና። ጥንካረናን ድኽመትናን ዝተፈላለየ ኢዩ።   

ሚዛኑ ዝሓለወ 

በዓል ሞያ ስነልቦና ኣብ ሳመን አይስታይን ሳንድቨን ብዙሓት መናእሰይ ኣብ ትጽቢታቶም ምትዕርራይ ክገብሩ ኣሎዎም ይብል።   

ኣብ ኩሉ ነገር ብዘይ ጎዶሎ ክዕወቱ ዝኽዕሉ ኣዝዮም ውሕዳት ኢዮም። ንሓደ ዓውዲ ስራሕ ብብልሒ ክትፍጽሙ እንተኾንኩም፣ ነቲ ካሊእ ቁርብ ሸለል ክትብሉ ኣለኩም ይብል ሳንድቨን 

ሚዛኑ ዝሓለወ ዕለታዊ ስራሕቲ እንተፈጺምኩም ብተውሳኺ ድማ ሕጉሳት ክትኮኑ እንተኺእልኩም ንትምህርትኹም ዝያዳ ይህልወኩም። ስለዚ ኣብ ሕድሕድ ዕለት ምስ መሓዙትኩም ትራኸብሉ ግዜ ከምኡ'ውን ንሓንጎልካ ዘህድሱ መዘናግዒ ዝኸውን ግዜ ይሃልኹም።   

ኩሉ ግዜ ንዝለዓለ ውጽኢት ብዝልዓለ ጸቕጢ ትሰርሑ እንተኾንኩም ንጥዕናኹም ዝጎድእ ኢዩ። ከም ኣብነት ሰማንያ ሚኢታዊ ዕዉት ውጺኢት ብቑዕ ኢዩ ኢልኩም እንተኣሚንኩም ነታ ነብሱኹም ሕያዎት ኮይንኩምላ ኣለኹም ማለት ኢዩ። ደረጃቲ ቅድመኩነት ዝተሓተ እንተገይርኩሞ ድማ ምስ ግዜ ዝሓሸ ውጽኢት ክትረኽቡ ይሕግዘኩም ኢዩ ይብል ሳንድቨን።   

ሂላንድ'ውን በዚ ሓሳብዚ ትሰማማዕ ኢያ።   

ኣብ ኩሉ ነገር ዝተወሰነ ጌጋ ስለዝመለስካ/ዉሱን ጎዶሎ ስለዘለካ፣ ዓለም ተገልቢጣ ማለት ኣይኮነን። ሂወት ልዕሊ ሓደ ሙሉእ ዝኾነ ዓወት ኢያ!