ምምሕዳር ከተማ በርገን ከባብያዊ ነቑጣ ሓበሬታ ንምጥያሽ ኣብ ስራሕ ኣሎ። እቲ ስራሕ ምስተዛዘመ ናትኩም ነቑጣ ሓበሬታ ኣበይ ምዃኑ ክንሕብረኩም ኢና። ሓዱሽ ሓበሬታ ኣብዚ www.bergen.kommune.no/infopunkt ኣቲኹም ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። (ኣብዚ ትረኽብዎ ዝተጻሕፈ ሓበሬታ ብቛንቋ ኖርወይ ወይ ብቛንቋ ኢንግሊዝ ኢዩ)
ኤለትሪክን መራኸቢ ኤለክትሮኒክስን ንንውሕ ዝበለ ግዜ እንተተቛሪጹ ኣብዚ ማሕበረሰብና ዘብጸሖ ሳዕቤናት ልዑል ኢዩ። እዚ ሓደጋ ከጋጥም ተኽእሎ ኣለዎ። ስለዚ ኩላትና ከመይ ክንዳሎ ከምዘለና ኣስፊሕና ክንሓስበሉ ኣለና።
ኣብ ኩላተን ክፍላተ ኸተማ በርገን
እተን ነቑጣ ሓበሬታ ኣብተን ክፍላተ ኸተማ ብኣካል ክትውከስወን ትኽእሉ ኣብያተ ጽ/ት ክወሃበን ኢዩ። ናይዚ ምምሕዳር ንህጹጽ ሓደጋ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ድማ ነዘን ነቑጣታት ክንጥቀመለን ዝድርኽ ኩነት መዓስ ከምዝኸውን ይውስኑ።
እዘን ነቑጣታት ሓበሬታ ህጹጽ ሓገዝ እንተድልዩኩም ወይ ካልኦት ትፈልጥዎም ሰባት ህጹጽ ሓገዝ እንተደልዮም ጥራሕ ኢየን ዘገልግላኹም።