The image shows a map of Bergen.
Bilde: Illustrasjon: Ola Henning Målsnes

In Tigrinya: ኣብ ግዜ ሓደጋ ኣብ ሕድሕድ ክፍለ ኸተማ በርገን ዝጣየሻ ነቑጣታት ሓበሬታ

ኩለን ክፍላተ ከተማ ነናይባዕለን ነቑጣ ሓበሬት ክህልወን ኢዩ። ኤሌትሪክ፣ መርበብ ሞባይል ቴሌፎን፣ መርበብ ኢንተርኔት ንነዊሕ ግዜ እንተጠፊእኩም በዘን ነቑጣታት ሓበሬታ ኣቢልኩም ምስተን ህጹጽ ሓገዝ ዝህባ ኣብያተ ጽሕፈት ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኺም።

ምምሕዳር ከተማ በርገን ከባብያዊ ነቑጣ ሓበሬታ ንምጥያሽ ኣብ ስራሕ ኣሎ። እቲ ስራሕ ምስተዛዘመ ናትኩም ነቑጣ ሓበሬታ ኣበይ ምዃኑ ክንሕብረኩም ኢና። ሓዱሽ ሓበሬታ ኣብዚ  www.bergen.kommune.no/infopunkt ኣቲኹም ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። (ኣብዚ ትረኽብዎ ዝተጻሕፈ ሓበሬታ ንቋ ኖርወይ ወይ ንቋ ኢንግሊዝ ኢዩ  

ኤለትሪክን መራኸቢ ኤለክትሮኒክስን ንንውሕ ዝበለ ግዜ እንተተሪጹ ኣብዚ ማሕበረሰብና ዘብጸሖ ሳዕቤናት ልዑል ኢዩ። እዚ ሓደጋ ከጋጥም ተኽእሎ ኣለዎ።  ስለዚ ኩላትና ከመይ ክንዳሎ ከምዘለና ኣስፊሕና ክንሓስበሉ ኣለና።  

ኣብ ኩላተን ክፍላተ ኸተማ በርገን 

እተን ሓበሬታ ኣብተን ክፍላተ ኸተማ ብኣካል ክትውከስወን ትኽእሉ ኣብያተ ጽ/ት ክወሃበን ኢዩ። ናይዚ ምምሕዳር ንህጹጽ ሓደጋ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ድማ ነዘን ነቑጣታት ክንጥቀመለን ዝድርኽ ኩነት መዓስ ከምዝኸውን ይውስኑ።   

እዘን ጣታት ሓበሬታ ህጹጽ ሓገዝ እንተድልዩኩም ወይ ካልኦት ትፈልጥዎም ሰባት ህጹጽ ሓገዝ እንተደልዮም ጥራሕ ኢየን ዘገልግላኹም።